4 days ago • WayZema-ዋይዜማ

#ጾመ_ነነዌ  ናይ ንስሓ ናይ ጽድቂ ጾም ይኹነልና ኣሜን።
 ‪@ዋይዜማ‬ 

10 days ago • WayZema-ዋይዜማ

🍀27🍀
 #መድኃኔዓለም  የለን ዝሰኣኖ
ንሱ ቃል ከዉጽእ ኣኽራን ሜዳ ይኾኑ
 ‪@ዋይዜማ‬ 

11 days ago • WayZema-ዋይዜማ

🥰ሓግዘኒ ኣምላኸይ ጸላኢ ከይስዕረኒ🥰
                   ⬇️⬇️⬇️
 https://youtu.be/clUjWyiTlmA?si=sIDTn... 

11 days ago • WayZema-ዋይዜማ

🍀ብሩኽ ሰንበት🍀
ሰሚዕና ናብ ካልኦት  #ሼር  ንበላ. 

ሓግዘኒ ኣምላኸይ (#አግዘኝ_አምላኬ) #Orthodox_Tewahedo_Mezmur @ዋይዜማ

WayZema-ዋይዜማ

11 days ago • 20,002 views

12 days ago • WayZema-ዋይዜማ

🍀፳፬(24)🍀
 #አቡነ_ተክለ_ሃይማኖት_ጻድቕ  ጸሎቱን በረኸቱን ምሳና ይኹን ኣሜን።
 ‪@ዋይዜማ‬ 

13 days ago • WayZema-ዋይዜማ

ናይ ልበይ ከተማ ተመላለሰሉ...
Make sure to  #Subscribe  👇👇👇 

#ናይ ልበይ ከተማ(የልቤን ከተማ)#Orthodox Tewahdo Mezmur Cover ዘማሪ ዲ'ን ሳምሶን ብርሃነ & ዘማሪ መርሃዊ ጸጋይ #Zemari Ezra

Felfalit YouTube ፈልፋሊት ይቱብ 'Zemari Merhawi Tsegay

13 days ago • 6,176 views

2 weeks ago • WayZema-ዋይዜማ

ሰላም ንዓኹም ቤተሰብ ናይዚ መንፈሳዊ ቻነል።
በረኸት ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ኩሉና ይኹን ኣሜን።
 ‪@ዋይዜማ‬ 

2 weeks ago • WayZema-ዋይዜማ

ኣዝያ ጥዕሚ ዝማሬ ናይ ድንግል ማርያም፥ ሰሚዕና ሼር subscribe እንዳገበርና ንበራታዕ።
ዝማሬ መላእክት የስምዓልና  ‪@awettekie2110‬ 

እተርኢ ዓይኒ(ማርያም)/New #tgrigna #mezmur /Zemari Deacon Awet Keshi Alem #2025

Zemari Deacon Awet Official Tube (ዘማሪ ዲ/ን ዓወት)

2 weeks ago • 1,317 views

2 weeks ago • WayZema-ዋይዜማ

#21_ጥሪ_ዕረፍታ_ለእግዝእትነ_ማርያም_ድንግል_ (ኣስተርእዮ ማርያም)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

“ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዐጽብ ለኩሉ”

 #በዓለ_ዕረፍታ 

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገርም እዩ። “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፡ ሞታ ለማርያም የዐጽብ ለኵሉ” ትርጉም “ሞትስ ንመዋቲ ይግብኦ እዩ፡ ሞት ማርያም ግና ንኹሉ ዘደንቕ እዩ” (ነግሥ ዚቅ፡ ናይ ጥር ፳፩ አርኬ) ሞት ንኵሉ ወዲ ሰብ ዘይተርፎ እንተኾነ’ውን ሞተ ሥጋ ኣዲኡ ከትርፍ ዝከኣሎ፡ ኵሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ ጐይታ ክንሱ ዘይምትራፉ ናይ ፈጣሪ ፈታሒነቱ (ርቱዕ ፈራድነቱ) የርእይ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ ያሬድ ኣዴና ኣደ ኣምላኽ ከንሳ ዕረፍታ ዕጹብ ምዃኑ ክነግር ኢሉ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃል ዝዘመረ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መበል ሱሳን ኣርባዕተን ዕድሜኣ ብዕለት ዕስራን ሓደን ጥሪ(21) እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቅድስቲ ነፍሳ ካብ ክብርቲ ስጋኣ ፈለየ። እልፊ ኣእላፋት መላእኽቲ እናዓጀቡ ብመዝሙርን ብስብሃታትን ናብ ፍቑር ወዳ ነታ ቅድስት ነፍሳ ኣዕረግዋ። እዚ በዓል ኣዴና ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘለዓለማዊ ህይወት ዝተሰጋገረትሉ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን መዘከርታ ዕረፍታ ዓመት መጸ 21 ጥሪ ብኽብሪ ተብዕሎ እያ። እዚ በዓል ዕረፍቲ እዚ ካብተን 33 በዓላት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓደ ኮይኑ ብድምቀት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣድባራትን ይኽበር። ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ንዘለዎ ቦታን ክብርን ፍሉጥ ስለዝኾነ ዓሚቕ ምሥጢርን ምትሕሓዝን ድማ ስለዘለዎ ከነኽብሮ ግቡእና እዩ። ሃገርና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ በረኸት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘይተፈለያ ሃገር ስለ ዝኾነት ኵል ጊዜ ኣብ ቅዳሴና፡ ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና፡ ኣብ መዝሙርና፡ ኣብ ሥርዓትና፡ ኣብ ትውፊትናን ኣብ መዓልታዊ ናብርናን ነገረ ማርያም ንነግርን ንሰምዕን፡ ቅድስናኣን ክብራን ድማ ንገልጽ። 

ቤተ ክርስቲያን’ውን ምስቲ ዕለት ብዝሰማማዕ ንባባትን መዝሙራትን ኣሰንያ ንዕረፍታ ተብዕሎ። ብመጠን ናይቲ ኣብዚ ዓለም ዝነበረትሉ 64 ዓመታት ድማ ዝተደርሱን ዝጽለዩ ጸሎታትን ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ድማ ኣቦታትና ብኸመይ ድንቂ ጥበብ ዕረፍታ ክንዝክሮ ከም ዝግባእና ዝሰርዑልና ስለዝኾነ ከነስተውዕሎ ይግባእ። 

 #ተኣምራት  ኣብ ግዜ ዕረፍታ

ኣብ ግዜ ዕረፍታ እቶም ክፋእ ካብ ምሕሳብ ዘየዕርፉ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ናይ ኣይሁድ ተንኮል ኣለሙ። ኣቐዲሞም ካብ ቤተመቅደሶም ብኽፍኣት ልቢ ኣውጸእዋ፡ ጸኒሖም ከኣ “ወዳ ካብ መቓብር ከይተንስኤ ደቂ መዛሙርቱ ተንሲኡ ኢሎም ብዙሕ ሰብ ኣስሒቶም ሕጂ’ውን እዚኣ ከም ወዳ ተንሲኣ ኢሎም ሰብ ከየዳናግሩ እሞ ካብ ቀደማዩ ዳሕራዩ ከይከፍኣናን ከይገደናን ሒዝና ብሓዊ ንስጋኣ ነቃጽሎ” ኢሎም ተማኸሩ። ከም ቃሎም ከኣ ሓደ ታውፋንያ ዝተባህለ ሓያልን ጉልቡትን ሰብኣይ ነበረ እሞ ንሱ ናብቲ ሓዋርያት ንስጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተሰኪመምሉ ዝነበሩ ዓራት ቀሪቡ ብሓይሊ ጉልበት ፈንጺጉ መታን ከሕድጎም ኣእዳዉ ሰደደ። እንተኾነ ግን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰይፊ ዝሓዘ መልኣኽ ሰዲዱ ክልቲኤን ኣእዳዉ ቆረጾ። ታውፋንያ ኣእወየ፡ ኣምሪሩ ከኣ በኸየ- ከመይ ካብ ድንግል ማርያም ምርሓቕ፡ ጸረ ድንግል ማርያም ምዃን የብኪ እዩ፡ ኣብ መወዳኣታ’ውን ኣብ ጋሃንም ከም እትወርድ ይገብር እዩ። እንተኾነ ታውፈንያ ከምቲ መጀመርታ ዝጎየዮ ኣይገበረን በኸየ ድኣ። ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ለዋህ፡ ናይ ፍቅሪ ኣደ፡ ርህርህተ ሕልና ስለ ዝኾነት ደንገጸትሉ ናብ ወዳ ለሚና ከኣ ኣእዳዉ ናብ ንቡር ከም ዝምለሳ ገበረት። ካልእ ኣዝዩ ብዙሕ ተኣምራት ውን ኣብ ግዜ ዕረፍታ ተፈጸመ። በዚ ከኣ ክብሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣጸቢቑ ተጋህደን ኣብ ኩሉ ተሰምዐን።

እመ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዕለት 21 ጥሪ ምስ ዓረፈት፡ ሓዋርያት ኣብ ጌተሰማኒ ቀበርዋ። ድሕሪ ሰለተ መዓልቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃናውያን መላእኽቱ ሰዲዱ ንስጋኣ ካብ መቓብር ናብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ህይወት ከም ዝቕመጥ ገበሮ። ብ16 ነሓሰ ድማ ካብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ናብ መንግስተ ሰማያት ኣዕረጋ። ንምሉእ ትሕዝቶ (ስንክሳር 21 ጥሪን 16 ነሓሰን) ተመልከት። 

 #ኣስተርእዮ  ንምንታይ ተባህለ፧

እዚ ዕለት እዚ ከምቲ ዝተገልጸ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ዕለት ኮይኑ ክብራን ብዙሕ ተኣምራታን ዝተጋህደሉ መዓልቲ እዩ። ኣስተርእዮ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብዓቢኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ካብ ዕለተ ልደት ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ታሕሳስ 29) ጀሚሩ ክሳዕ ዓቢ ጾም ዝኣትወሉ ዘሎ መዓልታት ኣስተርእዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነሉ፡ ዘይርአ ዝተራእየሉ፡ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ-ዝተጋህደሉ ብልደቱ እዩ፡ ቀጺሉ እውን ምስጢረ ስላሴ ዝተጋህደሉ ብጥምቀቱ እዩ። እዚ ስለዝኾነ እምበኣር ቤተክርስቲያና ነዚ ወርሓት እዚ ኣስተርእዮ ኢላ ትጽውዖ። ኣብዚ ወርሓት እዚ ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉን ብእግዚኣብሔር ዝተዋህባ ክብሪ፡ ጸጋ ዝተጋህደሉ፡ ተኣምራታ ብጋህዲ ዝተራእየሉ ክብራን ልዕልንኣን ዝተመስከረሉ እዩ፡ ስለዝኾነ ከኣ “ኣስተርእዮ ማርያም“ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ከመይ ኣስተርእዮ ማለት ምግላጽ ወይ ድማ ምግሃድ ማለት ስለዝኾነ።

ጸሎታን በረኸታን ምስ ኩላትና ይኹን ።
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ለወላዲቱ ድንግል

ወለመሰቀሉ ክቡር

ኣሜን። 

2 weeks ago • WayZema-ዋይዜማ

With  ‪@yilmahailumedia‬